ብዛዕባ RefugeeWork

Header background image
Wave mobileWave desktop

ተራ ናይ RefugeeWork መድረኽ እንታይ እዩ?

RefugeeWork ኣብ ክእለት ተሞርኲሱ መዘና ብምርካብ፣ ንኣስራሕትን ንደለይቲ ስራሕ ዝኾኑ ስደተኛታትን ምስ ነንሓድሕዶም ዘራኽብ ሃገራዊ መድረኽ እዩ። RefugeeWork ትኽክል ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ወይ ሕጹይ ንምርካብ የሳልጥ፣ ከምኡ እውን ናይ መጀመርታ ርክብ ከም ዝህሉው ይገብር፣ እቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ድማ ብመንገዲ ንቡር ኣገባባት ናይተን ትካላት ይካየድ። ብተወሳኺ፣ RefugeeWork ብዛዕባ ሕጋጋት፣ ኣማራጺታት ድጎማን፣ ከምኡ እውን ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ፍሉያት ጉዳያትን ብዝምልከት ብቋንቋ ናይቲ ስደተኛ ንጹር ሓበሬታ የጠቓልል።

RefugeeWork ተበግሶ ናይ VluchtelingenWerk Nederland ከምኡ እውን Start Foundation እዩ።

እዚ መድረኽ ክሳብ ክንደይ ውሑስ እዩ?

RefugeeWork ንድሕነት ተጠቀምትን ንውልቃዊ ሓበሬታታቶምን ልዕሊ ኹሉ ብምስራዕ ዝተዳለወ እዩ። እቲ መድረኽ ንሓፈሻዊ ደንቢ ሓለዋ ሓበሬታታት [Algemene Verordening Gegevensbescherming (AVG)] ዘማልእ እዩ። እቲ መድረኽ፣ እቲ መድረኽ ብግቡእ ንኽሰርሕን ኣብ መንጎ ደላዪ ስራሕን ኣስራሒን ርክብ ንምስላጥን ዘድልይ ውልቃዊ ሓበሬታታት ጥራይ እዩ ዝሓትት። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይዞም ሓበሬታታት ድማ ኣብ ናትና መግለጺ ብሕትና ንምርካቡ ይከኣል እዩ።

ኣስራሕቲ ኣብ RefugeeWork ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ቊጽጽር የጋጥሞም እዩ። ኮይኑ ግን እዚ ቊጽጽር እዚ እናሃለወ፣ ምስ ኣስራሕቲ ኣብ ዝግበር ርክብ ብዝምልከት ንቕሓት ንኽህሉ ናይቲ ተጠቃሚ ሓላፍነት እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ቊጽሪ BSN ወይ ናይ ባንኪ ሕሳብ ቊጽሪ ዝኣመሰሉ ውልቃዊ ሓበሬታታት ብመንገዲ እቲ ማእከል መልእኽቲ ፈጺምካ ኣይተካፍል።