ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ

Header background image
Wave mobileWave desktop

ምኽሪታት ምምልካት ስራሕ

ናይ ስራሕ ምምልካት ኣሰራርሓ ብዝምልከት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ምንታይ ንፉዕ ምዃንካን፣ ነዚ ድማ ምስ ሓደ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝሰማማዕ ንኸትርእይን ጽቡቕ እዩ። ኣብ መጀመርታ ናይ ቃለ-መሕትት ክንደይ ክትክፈል ምዃንካ ምሕታት ዘይልሙድ እዩ፣ ነዚ ዳሕራይ እንተገበርካዮ ይምረጽ። ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት፣ ተገዳስነት ከም ዘለካን ብዛዕባ እቲ ትካል ገለ ከም ዘንበብካን ምእንቲ ከተርእይ፣ ነቲ ኣስራሒ እውን ገለ ሕቶታት ሕተቶ። ኣብ ዝተወሰኑ ስራሓት፣ ናይ ብልሒ ኣእምሮ ወይ ናይ ስብእና ፈተና ንኽትገብር ከድልየካ ይኽእል እዩ።

ቅድሚ ምምልካትካ ነቲ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ረኣዮ፡

  • እንታይ ጠለባት ኣለዉ፣ ከምኡ እውን ንስኻ ከተማልኦም ትኽእል ዲኻ?
  • ንኽንደይ ሰዓታትን መዓስን ክትረክብ ኣለካ፣ እዚ ምስቲ ክትርከበሉ እትኽእል ግዜኻ ይሰማማዕ ድዩ?
  • እንታይ ዓይነት ናይ ስራሕ ተመክሮን ብቕዓታትን እዮም ዘድልዩ፣ እዚ ምስቲ ንስኻ ንፉዕ ዝኾንካሉ መዳያት ዝሰማማዕ ድዩ?
  • ዘድልይ ዝወሓደ ገደብ-ትምህርቲ ኣሎ ድዩ? ንገሊኦም ከለላ ዝተገብረሎም ሞያታት (ከም በዓል ሓኪም) ብዝምልከት፣ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ኩሉ ግዜ እኹል ኣይኮነን። ንኻልኦት ሞያታት፣ ተመጣጣኒ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ።
  • እንታይ ዓይነት ትካል እዩ፣ ከምኡ እውን ንዓኻ ይሰማማዓካ ድዩ?

ናብ ቀዳማይ ቃለ-መሕትት ክትመጽእ እንተድኣ ተፈቒዱልካ፣ ጽቡቕ ናይ መጀመርታ ጦብላሕታ ከም እትህብን፣ ጽቡቕ ምድላው ምግባርካን ኣረጋግጽ፡

  • ኣብ ሰዓትካ ኪድ
  • ክፉት ኣቀራርባ ብዝምልከት ኣስተውዕል
  • ንውሽጢ ኣብ እትኣትወሉ እዋን፣ ንሰላምታ ኣጥቢቕካ ብኢድ ተጨባበጥ፣ ከምኡ እውን ምስ ነንሓድሕድ ዓይኒ ንዓይኒ ተጠማመት
  • ተሌፎንካ ኣጥፍኣያ
  • ናይ ቃለ-መሕትት ሕቶታት ተለማመድ
  • ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ናትካ CV ገለ ክትነግር ከም እትኽእል ኣረጋግጽ
  • ብዛዕባ እቲ ስራሕ ንምርካብ እተመልክተሉ ትካል ዝምልከት ገለ ሓበሬታ ድለይ

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቃለ-መሕትት ስራሕ ዝቕረቡ ብዝርክት ዝበሉ ሕቶታት፡

  • ብዛዕባ ገዛእ-ርእስኻ ቁሩብ ተወሳኺ ክትነግረና ትኽእል ዲኻ?
  • ስለምንታይ ኢኻ ኣብዚ ትካል ክትሰርሕ እትደልይ?
  • እዚ ዕማም ስራሕ ንምንታይ ምሳኻ ይሰማማዕ?
  • ብዛዕባ እዚ እንታይ ሰሪሕካ ኣለኻ?
  • ኣብ ምንታይ ኢኻ ንፉዕ? ኣብ ምንታይ ኢኻ ብዙሕ ንፉዕ ዘይኮንካ?
  • ነቲ ትካል ክትሓቶ እትደልዮ ዝኾነ ሕቶታት ኣለካ ድዩ? (ኩሉ ግዜ ንኣስራሒ እትሓቶ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ኣዳሉው)
titel plaatje

ልምዲታት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ

ኔዘርላንድ ከም ኩሉ ሃገር ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝተወሰኑ ልምድታትን (ዘይተጻሕፉ) ሕግታትን ኣለዋ። ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ክትረኽብ ኢኻ።

ናይ ስራሕ ሰሙን

ናትካ ናይ ስራሕ ሰሙን እንታይ ምዃኑ ምስ ኣስራሒኻ ትሰማማዕ። ኣብ ገሊኦም ትካላት ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ እዮም፣ ኣብ ዝተወሰኑ ሞያታት ግን (ንኣብነት ክንክን ጥዕና ወይ እንግዶት) ቀዳምን ሰንበትን እውን ናይ ስራሕ መዓልታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ናይ ምሉእ ግዜ ናይ ስራሕ ሰሙን፣ ኣብቲ ጽላት ዝምርኮስ ካብ 36 – 40 ሰዓታት ኣብ ሰሙን እዩ። ናይ ስራሕ ሰሙን፣ ኣብ ሰሙን ካብ 60 ሰዓታት ንላዕሊ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ 5 ሳምንታት እዋን ብማእከላይ ገምጋም እንተበዝሐ 55 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ስራሕ ሰዓታት

ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ብዝምልከት ምስ ኣስራሒኻ ትሰማማዕ። ብመሰረት ሕጊ፣ ሓደ እብረ ስራሕ እንተበዝሐ 12 ሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባትን ነፍሰጾራትን ዝምልከቱ ድማ ካልኦት ሕግታት ኣለዉ

ዕረፍቲ

ልዕሊ 5.5 ሰዓታት እንተድኣ ሰሪሕካ፣ እንተወሓደ ናይ 30 ደቓይቕ ዕረፍቲ ክትረክብ መሰል ኣለካ (እዚ ክልተ ግዜ ናይ 15 ደቓይቕ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ)። ልዕሊ 10 ሰዓታት እንተድኣ ሰሪሕካ፣ እንተወሓደ ናይ 45 ደቓይቕ ዕረፍቲ ክትረክብ መሰል ኣለካ (እዚ ብዙሓት ሓጸርቲ ዕረፍቲታት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ)። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (cao) ዝያዳ ዕረፍቲ ንምርካብ መሰል ንኽህልወካ ስምምዕ ይግበር እዩ። ዕረፍቲ ኣብ መጀመርታ ወይ መወዳእታ ናይ ስራሕ መዓልትኻ ክኸውን ኣይከኣልን እዩ።

ህድኣተ-ዕረፍቲ

ድሕሪ ናይ ስራሕ መዓልቲ እንተወሓደ ን 11 ሰዓታት ክትሰርሕ የብልካን። እቲ ናይ 11 ሰዓታት ናይ ህድኣተ-ዕረፍቲ እዋን፣ ኣብ 7 መዓልታት ሓደ ግዜ ናብ እንተወሓደ 8 ሰዓታት ከም ዝሓጽር ክግበር ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን ንስራሕ ኣድላዪ እንተኾይኑ ጥራይ እዩ። ከም ንቡር ኣሰራርሓ፣ ኣብ ነፍስወከፍ 7 መዓልታት ን 36 ተኸታተልቲ ሰዓታት ህድኣተ-ዕረፍቲ ክትረክብ እውን መሰል ኣለካ። እዚ ኣብ 14 መዓልታት እውን ክዝርጋሕ ይኽእል እዩ፣ ኣብዚ ድማ እንተበዝሐ ኣብ 2 እዋናት ብድምር 72 ሰዓታት ህድኣተ-ዕረፍቲ ክትረክብ ኣለካ። ሞያኻ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (cao) ዘለዎ ምስ ዝኸውን፣ ካልኦት ሕግታት ተፈጻምነት ዘለዎም ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዘይካ እዞም ዓይነት ሕግታት፣ ኣብ (ትካላዊ) ባህሊ ናይ ኔዘርላንድ ብርክት ዝበሉ መለለይታት እውን ኣለዉ፡

  • ዘይወግዓዊ: ምስ መሳርሕቲ ዝህሉው ርክብ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይወግዓዊ ኮይኑ፣ ዕረፍቲ ድማ ብሓባር ይውሰድ። ናይ ሓላፍነት መዓርግ ክንድቲ ዝኣክል ዓቢ ተራ ኣይጻወትን እዩ፣ ኩሉ ሰብ ሓሳብ ከበርክትን ሓሳብን ከካፍልን ይኽእል እዩ።
  • ቀጥታ፡ ኔዘርላንዳውያን ቅኑዓትን ቀጥታውያንን እዮም፤ ንኣብነት መልሰ-ርእይቶ ኣብ ምሃብ፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ስሉጥነት ከም ምኽንያት ብምግባር እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ስምዒት ናይ ካልእ ኣብ ግምት ዘይምእታው ክመስል ይኽእል እዩ፣ ግን ከምኡ ተሓሲቡ ዝግበር ኣይኮነን።
  • መልሰ-ርእይቶ፡ ኔዘርላንዳውያን መልሰ-ርእይቶ ምሃብን ምቕባልን ዝለመዱ እዮም። ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን እውን ነንሕድሕዶም መልሰ-ርእይቶ ይህቡ እዮም፣ ንኣብነት ኣብ እዋን ገምጋም ኣፈጻጽማ ዕማም። ስለዚ ድማ እንታይ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎን፣ እንታይ ክመሓየሽ ከም ዝኽእልን ትዛተይ፣ ኣብዚ ብቕንዕና ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
  • ርእይቶ ምክፋል፡ ኔዘርላንዳውያን ርእይቶኦም ከካፍሉ ይፈትዉ እዮም፣ ተሓቲቶም ይኹኑ ከይተሓተቱ
  • ስምምዕ፡ ኔዘርላንዳውያን ነገራት ብሓባር ምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም
  • ህድኣታውያን፡ ብሓፈሻኡ ኔዘርላንዳውያን ብዛዕባ ዝበጽሕዎ ደረጃ፣ ብዙሕ ጃህራ ኣይገብሩን እዮም
  • ተበግሶ፡ ኔዘርላንዳውያን፣ ተበግሶ ክትወስድ ከለኻን ተዓጻጻፊ ክትከውን ከለኻን ደስ ይብሎም እዩ፣ ንኣብነት ሓሳባት ኣብ ምምጻእ ወይ ቆጸራታት ኣብ ምስግጋር
  • ምውጣን፡ ብሓፈሻኡ ኔዘርላንዳውያን ኣብ ክንዲ ንገለ ነገር ብሃንደበት ምግባር፣ ንብዙሕ ነገራት ብዝምልከት ኣቐዲሞም ስምምዓት ይገብሩ
  • ክፉትነት፡ ናይ ኔዘርላንድ ባህሊ ብዙሕ ክልኩል ነውሪ ዘለዎ ኣይኮነን፣ ዳርጋ ኩሉ ነገር ክዝረበሉ ይኽእል እዩ
  • ነጻነት፡ ሰባት ዝደለይዎ ምርጫ ክገብሩ፣ ንኣብነት ጾታዊ ምርጫ፣ ሃይማኖት ወይ ፖለቲካዊ ምርጫ ክህልዎም ነጻ እዮም

ዲፕሎማታትን ተመኩሮታትን

ሞያታት ኣብ ኣስታት ኣርባዕተ ጉጅለታት ክትከፍሎም ትኽእል ኢኻ፡

  • ግብራዊ-ሞያ ብዘይ ስልጠና፣ ከም በዓል ሰራሕተኛ እንግዶት፣ ኣበጻጻሒን ሰራሕተኛ ጸርየትን ዝኣመሰሉ
  • ግብራዊ-ሞያታት ምስ ስልጠና፣ ከም በዓል መካኒክ፡ ኣመሓዳሪን ሓጋዚ ነርስን ዝኣመሰሉ። ነዞም ሞያታት እዚኦም ብዝምልከት መብዛሕትኡ ግዜ ዲፕሎማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ሞያዊ ትምህርቲ (MBO) ይሕተት እዩ
  • ግብራዊ-ሞያታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ፣ ከም በዓል ሰራሕተኛ ዓቕሚ ሰብ [HR]፡ መምህር መባእታዊ ትምህርትን ተጸባጻቢ ሕሳብን ዝኣመሰሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዝኸውን ዲፕሎማ ናይ ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (HBO) የድልይ። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ግብራዊ-ሞያታት እዮም፣ ግን ኣብዚ እውን ፍልጠት ክልሰ-ሓሳብ የድልይ እዩ።
  • ፍሉያት (ክልሰ-ሓሳባዊ) ሞያታት፣ ከም ተመራማሪ፣ ተንታኒን መሃንድስን ዝኣመሰሉ። ነዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዲፕሎማ ናይ ስነ-ፍልጠታዊ ትምህርቲ (WO) ወይ HBO የድልይ።

ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ሓደ ግዜ ብመሰረት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ናብ ዝተወሰኑ ሞያታት ምምዕባል ክትቕጽል ይከኣል እዩ። ብተወሳኺ ንሞያታት ዝበቕዑ (ሓደስቲ) ክእለታት ንኽትመሃር ምእንቲ ክትክእል፣ መደባት ዳግመ-ስልጠና ንኽትከታተል እውን ይከኣል እዩ።

እንተድኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝረኸብካዮ ዲፕሎማ ዘለካ ኮይንካ፣ ዲፕሎማኻ ምስ ኣየናይ ናይ ኔዘርላንድ ደረጃ ከም ዝዳረግ ንኽትፈልጥ ምእንቲ ብቕዓቱ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣስራሒ ፍልጠትካን ብቕዓታትካን እንታይ ምዃኑ ብዝበለጸ ክግምት ይኽእል። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ Nuffic (https://www.nuffic.nl/onderwerpen/diploma) ዲፕሎማኻ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዘለዎ ብቕዓት ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ወግዓዊ ግምገማ ብቕዓት ናይ ዲፕሎማ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ምውህሃድን ቋንቋ ኔዘርላንድን

ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምላኽ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?
ንዝህልወካ ናይ ምስራሕ ተኽእሎታትካ ብዝምልከት፣ ኣየኖት ቋንቋታት ከም እትዛረብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣገዳሲ እዩ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ምዝራብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣብ ሞያኻ ዝምርኮስ እዩ። ንኣብነት ምስ ዓማዊል ብዙሕ ኣብ እትዛረበሉ ሞያታት፣ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣገዳሲ እዩ። ንገሊኦም ከም በዓል ጽርየት ዝኣመሰሉ ግብራዊ ስራሓት፣ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዝወሓደ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ቋንቋ ኔዘርላንድ ጽቡቕ ገይርካ ዘይትዛረብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ቋንቋ እንግሊዝ እውን ኣብ ረብሓ ክውዕል ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ቋንቋ እንግሊዝ ጽቡቕ ይዛረቡ እዮም።

ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣጸቢቕካ እንተድኣ ዘይመለኽካዮ፣ ክትገብሮም እትኽእል ብርክት ዝበሉ ነገራት ኣለዉ፡

  • ቅድመ-ምድላው፡ ንዝርርብ ግቡእ ቅድመ-ምድላው ግበር ኣንቢብን ገለ ጠቐምቲ ቃላት ብኣእምሮኻ ተማሃርን
  • ቴክኖሎጂ፡ ንኣብነት ጠቐምቲ ኣፕ ወይ መርበብ-ሓበሬታታት (ከም በዓል Google Translate) ኣብ ኢድካ ሓዝ
  • ቋንቋ ኣካል፡ ምልክታት ኣካል፣ ቋንቋ ኣካልን፣ ገጻዊ መግለጺታት ሓሳባትን ተጠቐም
  • ትዕግስቲ፡ ምስ ነንሕድሕድኩም ብትዕግስቲ ቀጽሉ፣ ከምኡ እውን ነንሕድሕድኩም ግዜ ተዋሃሃቡ
  • ልምምድ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቋንቋ ኔዘርላንድ ምልምማድ ከም እትቕጽል ኣረጋግጽ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ናትካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ገና ክሳብ ክንድኡ ጽቡቕ ከምዘይኮነ እንተድኣ ኣስተብሂሎም፣ ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ብቋንቋ እንግሊዝኛ ናብ ምዝራብ ሾለ ዝቕይሩ። እዚ ንጽቡቕ ዝተሓስበ እዩ፣ ግን ድማ ናትካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንኸተመሓይሽ ክትለማመድ ከም እትመርጽ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ።

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት በዚኦም ዝስዕቡ፡

  • ናይ ቋንቋ ስልጠናታት
  • ኣሰልጠንቲ ቋንቋ ወይ መሓዙት ቋንቋ
  • ወለንታዊ ስራሕ
  • ምስ መሳርሕትኻ፣ ኣዕሩኽትኻ/መሓዙትካ፣ ጎረባብትኻ ወይ ወለዲ ናይ ቤት-ትምህርቲ ዕላል ብምግባር
  • ናይ ኔዘርላንድ መደባት ተሌቪዥን ወይ መጽሓፍቲ
  • ናይ ኔዘርላንድ ጸወታታት
  • ዙረት፣ ከም በዓል ቤተ-መዘክር፣ ሲነማ፣ ዕዳጋ ወይ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝኣመሰሉ
  • ኣፕስ [Apps] ከምኡ እውን መርበባት-ሓበሬታ (ከም በዓል Duolingo)

ናተይ ምውህሃድ ብኸመይ ምስ ስራሕ ክጽንብሮ ይኽእል?
ሓደ ሓደ ግዜ ስራሕ ምስ ናትካ መደብ-ግዜ ናይ ምውህሃድ ንኽትጽንብሮ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ስራሕ ክትጅምር እንከለኻ፣ ብዛዕባ ናይ ምውህሃድ መደብ-ግዜኻ ምስ ኣስራሒኻ ንምዝታይ ኣገዳሲ ዝኸውን። ኣብ ኣየኖት መዓልታትን ሰዓታትን ክትሰርሕ ከም ዘይትኽእል ድማ ሓብር። እቲ መደብ-ግዜ ክቕየር ከም ዝኽእል እውን ሓብር፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ለውጥታት ንኣስራሒኻ ኣብ ግዚኡ ሓብር።